ደጊፎም እንተላሃዩዋ፡ ዘላ መሲሉዋ!

What the source reports
ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ሸሞንተ ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ስርዓት ብልጽግና፡ ድሕሪ ምዝዛም ናይ’ቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ባዕሉ ኣብ ዘንቀዶ ወተሃደራዊ ዕንደራ’ዩ ተጸሚዱ ጸኒሑ። ኣብ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ፡ ዕጥቅን ተተኰስትን፡ ከምኡ’ውን ስልጠና ሰራዊት ገዚፍ ወጻኢታት ክገብር ምጽንሑ፡ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። እዚ ወጻኢታት’ዚ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ዝጻወሮ ስለዘይኰነ፡ ብደገፍ ናይ’ቶም ነዚ ዞባን ጸጋታቱን ንምቊጽጻር ሕቡእን እዉጅን እኩይ ኣጀንዳታት ዘለዎም ሓይልታት’ዩ ተገይሩ። ስርዓት ብልጽግና፡ ዕሱብን መጋበርያን ጥራይ’ዩ። ነዚ ዝድርዕ ኣብነታት ምስ እንርኢ፦ ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ
ኣዋርሕ ናይ 2026 ጥራይ፡ ስርዓት ብልጽግና – ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታቱ ንዝተፈጥረን ስልጣኑ ንምድልዳል ኰነ ኢሉ ንዘሳወሮን ውሽጣዊ ግጭታት፡ ከምኡ’ውን ንጐረባብቲ ሃገራት ብምትንዃይ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ዝውዕል፡ ኣጽዋርን ተተኰስትን ዘጠቓልል ጽዕነት ናይ 365 ነፈርቲ ወ ተሃደራዊ ንዋት፡ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተቐቢሉ። እቲ ስርዓት ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት – ካብ ሓያሎ ለገስቲ ብድምር ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ግዳማዊ ፋይናንሳዊ ሓገዝ’ዩ ረኺቡ። እዚ ዓቃባዊ ገምጋም’ዩ። ክዉንነት ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ግና፡ ካልእ’ዩ። በዚ ንህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ዘይህብ ዓንዳሪ ኣካይዳ፡ እቲ ኩነታት ካብ ዝኸፍአ ናብ…
TDBN presents the written preview supplied through the publisher's feed. Complete reporting, continuing updates, context, and corrections remain with the original report.
Read the complete report ↗