One world · 249 countries · Every country has a place in the news
AboutContactAdvertiseRSSSubmit News
ADVERTISING OPPORTUNITYYour business deserves global visibilityCHECK AVAILABILITY
⌕
LATEST
Home› Eritrea› ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ፑቲንን ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን ዘትዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ፑቲንን ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን ዘትዮም።

EritreaOct 31, 2026, 8:44 AM
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ፑቲንን ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን ዘትዮም።
NEWS DESKEritrea
PUBLISHEDOct 31, 2026, 8:44 AM
NEWS BRIEF

What the source reports

ኣስመራ፣ 31 ጥቅምቲ 2026 – ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ትማሊ 30 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ምሸት ኣብ ቤተ-መንግስቲ ክረምሊን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን ዘትዮም። ንተሳታፍነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሳልሳይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን ዘመስገነ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሩስያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድናታት ብዝበለጸ ንምምዕባል ካብ ዘለዋ ድሌት ብምብጋስ፡ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ብሓፈሻ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ቴክኖሎጂ፡ ዕደና፡ ሕርሻን ውሕስነት መግብን ክትሰርሕ ቅርብቲ ምዃና ገሊጹ። ፕረዚደንት ፑቲን ኣስዒቡ፡ ሩስያን ኤርትራን ኣብ ሓያሎ ኣገደስቲ ጉዳያት ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለወን ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣብ መድረኻት ውድብ ሕቡራት

ሕቡራት ሃገራት ንሩስያ ንእትገብሮ ደገፍ ኣመስጊኑ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን ምስታፉን ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ዳግማይ ምርኻቡን ዓቢ ክብሪ ከምዝስመዖ ብምሕባር፡ ሩስያ ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ እትገብሮ ክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ብዘለዋ ገዚፍ ናይ ቴክኖሎጂን ኢንዳስትሪን ዓቕሚ መሪሕ ተራ ክትጻወት ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ክልቲኦም መራሕቲ ብድሕሪ’ዚ – ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣምባሳደር ኣብ ፈደረሽን ሩስያ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይን ዝተሳተፉሉ መኽፈቲ ርክብ፡ ዕጹው ዘተ ኣካዪዶም። ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ፡ ምስ ሚኒስተር መጓዓዝያ – ያድሮቭ ዲሚትሪ ቪክቶሮቪች ተራኺቡ ዘትዩ። ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብዛዕባ ክልተኣዊ…

MORE CONTEXT

Continue with related coverage

Main source: Shabait

TDBN presents the written preview supplied through the publisher's feed. Complete reporting, continuing updates, context, and corrections remain with the original report.

Read the complete report ↗
KEEP READING

More news from this desk

← RETURN TO ERITREA NEWS