ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብመንጽር ሰነዳት ኢትዮጵያ

What the source reports
ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረቤት ሃገር ኣፍልጦ ዝህብ፡ ብብዝሒ ወግዓዊ ሰነዳት ዝፈረመት እንተላ ኢትዮጵያ ክትከውን ትኽእል’ያ – ዝያዳ መጽናዕቲ ይሓትት። ገዛእቲ ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብምቕባል ካብ ዝፈረሙዎ ሰነዳትን ዘሕለፉዎ ውሳነታትን ዝሃቡዎ መግለጺታትን እስከ ፍሩይ ኣብነታት ክንጠቅስ፥ 1) ኤርትራ ከም ሃገር ቅድሚ ምቛማ፡ ወደብ ባጽዕ ኣብ ትሕቲ ግብጺ እንከላ፡ ንጉስ ኣቢሲንያ ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ፣ ንግዳዊ ኣቚሕን ኣጽዋርን ብወደብ ባጽዕ ከእቱ፡ ምስ ብሪጣንያ ብ3 ሰነ 1884፡ ‘ውዕል ሀወት’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰነድ ፈሪሙ። ባጽዕ ናይ ኣቢሲንያ ከምዘይኮነት ዘመልክት ሰነድ። 2) ብ25 መጋቢት 1889 ሃጸይ ምነሊክ ንጉሰ ነገስት ኣቢሲንያ ምዃኑ ኣዊጁ። ድሕሪ ወርሕን ሰሙንን ብ2 ግንቦት 1889 ከኣ፡ ከበሳን ገማግም ባሕርን ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ግዝኣት ኢጣልያ ምዃኑ ብምቕባል “ውዕል ውጫለ” ከቲሙ። 3) 26 ጥቅምቲ 1896 – ድሕሪ ውግእ ዓድዋ፥ ምነሊክ ክንዮ መረብ-በለሳ-ሙና ዘሎ መሬትን ባሕርን ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ግዝኣት ኢጣልያ ምዃኑ ዝቕበል ንውዕል ውጫለ ዝተክአ “ውዕል ኣዲስ ኣበባ” ፈሪሙ። 4) 10 ሓምለ 1900፥ መረብ-በለሳ- ሙና ዶብ ኢጣልያዊ ግዝኣት ኤርትራን ኣቢሲንያን ምዃኑ ዘነጽር ካልኣይ ሰነድ ተፈሪሙ። 5) 15 ግንቦት 1902፥ ኣብ መንጎ’ታ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበረት ሱዳን፡ ግዝኣት ጣልያን ኤርትራን ግዝኣት ምነሊክ ኣቢሲንያን ዘሎ ዶባት (ዶባት ምዕራብ ኤርትራ) ዘነጽር ውዕል ተፈሪሙ። 6) 16 ግንቦት 1908፥ ብምብራቕ ኣብ መንጽር
ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ነዊሕ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ግዝኣት ፈረንሳዊት ሶማሊላንድ (ጅቡቲ) ዘነጽር ሰነድ፡ ኣብ መንጎ ምነሊክን ጣልያንን ተፈሪሙ። 7) 2 ታሕሳስ 1950፥ ሕቡራት ሃገራት ብውሳነ 390 (A)V ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን ወሲኑ። እዚ ውሳነ’ዚ፡ እቲ ፍሉጥ ኣህጉራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘለዎ ዕቁብ ምዃኑ ዘነጽር ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ተቐቢላ ፈሪማትሉ። 8) 11 ነሓሰ 1952፥ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ህንጻ መንግስቲ (ቅዋም) ኤርትራ ብወግዒ ተቐቢሉ ፈሪሙሉ። እቲ ቅዋም፡ ኤርትራ ነቲ ብመግዛእቲ ዝተሓንጸጸ ዶባታ ሓልያ ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብውዕል ፈደረሽን እትነባበር፡ ርእሰ ምምሕዳራዊት ኣካል ምዃና ዘነጽር እዩ። 9) 14 ሕዳር 1962፥ ባይቶ ኤርትራ ንፈደረሽን ከፍርሶ ድሕሪ ምስግዳዱ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ እታ ግዝኣት ጣልያን ዝነበረት ኤርትራ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ክትከውን ወሲኑ። ዶባታ ግን ከይተተንከፈ ከምዘለዎ ተዓቂቡ ከምዝቕጽል ገይሩ። 10) 16 ግንቦት 1976፥ ስርዓት ደርግ፡ ኤርትራ እቲ ፍሉጥ መግዛእታዊ ዶባታ ተሓልዩ፡ መሰል ርእሰ ምምሕዳር ክወሃባ (ራስ ገዝ) 9 ነጥቢታት ዝሓዘ፡ ብሰውራ ኤርትራ ተቐባልነት ዘይረኸበ እማመ ሰላም ኣቕሪቡ። 11) 27 ሚያዝያ 1993፥ ውጽኢት ረፈረንዱም ምስ ተኣወጀ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ረፈረንደም ቅኑዕን ፍትሓዊን ምዃኑ ብምእማን ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ። 12) 4 ግንቦት 1993፥ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ብመሰረት ፍሉጥ ኣህጉራዊ ዶባታ፡ ኣፍልጦ…
TDBN presents the written preview supplied through the publisher's feed. Complete reporting, continuing updates, context, and corrections remain with the original report.
Read the complete report ↗