One world · 249 countries · Every country has a place in the news
AboutContactAdvertiseRSSSubmit News
ADVERTISING OPPORTUNITYYour business deserves global visibilityCHECK AVAILABILITY
⌕
LATEST
Home› Eritrea› ሓሳውን ቈርበትን እናሓደረ ይፈኵስ!

ሓሳውን ቈርበትን እናሓደረ ይፈኵስ!

EritreaOct 24, 2026, 8:25 AM
ሓሳውን ቈርበትን እናሓደረ ይፈኵስ!
NEWS DESKEritrea
PUBLISHEDOct 24, 2026, 8:25 AM
NEWS BRIEF

What the source reports

ሰብ ምሉእ ሰብ ዝገብሮ፡ ኣብ እምነቱ፡ መርገጺኡን ክብረቱን ጸኒዑ ክነብር ከሎ’ዩ። መርገጺኦምን እምነቶምን ምስ ዝነፈሰ ንፋስን ምስ ዝተፈጥረ ኩነታትን – ከም ወቕትን ዓውደ-ኣዋርሕን ዝለዋወጥ ሰባት፡ ኣዝዮም ሓደገኛታት’ዮም። ብምቾት፡ ህቡብነት፡ ግላዊ ረብሓን ካልእን ብቐሊሉ ስለዝሰድዑ፡ ናይ ሞራል ብሶላ (ኮምፓስ) የብሎምን። ሓደ ካብ’ዞም በዚ ባህሪያት’ዚ ዝልለዩን ዝሳቐዩን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ካብ ሓደ ጫፍ ናብ’ቲ ኣንጻሩ ጫፍ ክገላበጥ ዝተራእየን ጽኑዕ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘይብሉን ጌታቸው ረዳ’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ከኣ፡ ወግሐ-ጸብሐ፡ ናይ ሓሶት ትረኻታትን ክስታትን እናቕረበ፡ ኣንጻር ኤርትራ ናይ ሓሶት ዘመተ ብምክያድ ንኲናት ኣብ ምጉስጓስ ተጸሚዱ ይርከብ። እዚ ንባዕሉ ጻህያይ ክንሱ፡ ብዛዕባ’ቲ ጻህያይ እናበለ ክጸርፎ ዝውዕልን ዝሓድርን ዝነበረ መራሒ ብልጽግና ካብ ዝበሎ ንምዝኽኻር፦ “ኣብይ ኣሕመድ ድንኪ’ዩ። ናይ ፖለቲካ ድንኪ፡ ናይ ኩሉ ነገር ድንኪ’ዩ። ኣብ ንቡር ዓዲ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ናብ ማይ-ጨሎት ክኸይድ ወይ ኣብ ሆስፒታል ሕሙማን ኣእምሮ ክኣቱ ዝግብኦ ሰብ’ዩ።” “እዚ ሰብኣይ [ኣብይ ኣሕመድ]፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎ፡ ‘ኣደይ ንጉስ ክትከውን ብሕልሚ ርእየ

ኢላትኒ’ ኢሉ ዝዛረብ ሰብ’ዩ። ነጊራቶ ትኹን ኣይትኹን ኣይፈልጥን። ነዚ ዝዕንቅፍ ድማ ሰብ ኮይኑ ኣይስምዖን’ዩ። ባዕሉ ዝነገረኒ’የ ዘዕልለኪ ዘለኹ። ኣምሓራ’ኳ ልክዖም መትሓዝክዎም ነይረ። ኦሮሞ ኣብ ዝበጽሕዎ የብሎምን። ንስኹም ኢኹም ተሸግሩኒ። ህወሓት’ውን ኣይኮነን፡ ህዝቢ ትግራይ’ዩ ዘሸግረኒ ዝብል ሰብ’ዩ። እዞም ሰባት ተኣኻኺቦም ‘ከነፍርሶ ኣለና’ ዝብልዎ ህዝቢ ትግራይ’ዩ። ናይ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ መዋቕራት ምድምሳስ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ኣድኒኑ ከምዝኸይድ ንምግባር’ዩ። ዝተንበርከኸ ህዝቢ ትግራይ’ውን ሽግር ክፈጥር ስለዝኽእል፡ ትግራዋይ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ኣለዎ’ዮም ዝብሉ።” “ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ንዘተ ወይ ንዝርርብ፡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ወይ ዕላማ፡ ኮፍ ምባል ናይ ነውሪ ነውሪ’ዩ።” “ኣብይ እንተዘየደናጊሩ ዓዲ ክመርሕ ኣይክእልን’ዩ።” “ትምህርቲ ተማሂሩ ዘይፈልጥ ሰብ PhD ኣለኒ ኢሉ እንተኣሚንካዮ፡ ዝኣመንካሉ ምኽንያት ንኽትሓትት ግዜ ስለዘይህበካ’ዩ።” “ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ብገለ ንእሽቶ ኣጋጣሚ ብጌጋ ኣብ ዝለዓለ ቦታ በጺሖም ዓበይቲ ሓደጋታት ናይ ዘብጽሑ ሰባት ኣብነት እንተደሊኻ፡ ኣብይ ኣሕመድ’ዩ።” “ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሃገር ክሕደት ቀንዲ…

MORE CONTEXT

Continue with related coverage

Main source: Shabait

TDBN presents the written preview supplied through the publisher's feed. Complete reporting, continuing updates, context, and corrections remain with the original report.

Read the complete report ↗
KEEP READING

More news from this desk

← RETURN TO ERITREA NEWS