ሳልሳይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን፡ ኣብ ሞስኮ ብወግዒ ተኸፊቱ

What the source reports
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝሳተፎ ዘሎን ንክልተ መዓልታት ዝቕጽልን 3ይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ከተማ ሞስኮ ብፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብወግዒ ተኸፊቱ። ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ዕላማ’ቲ ዋዕላ ንፈደረሽን ሩስያን ኣፍሪቃን ናብ ዕብየት ኣብ ዘምርሑ ጽላታት ኢንዳስትሪ፡ ሕርሻ፡ ቁጠባ፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ሳይንስ፡ ባህልን ካልእን ብዕምቈት ብምዝታይ፡ ብሽርክነት ንምስራሕ ከምዝዀነ ሓቢሩ። ኣፍሪቃ ብዙሕ ሃብቲ ዘለዋ ኣህጉር ከም ምዃና መጠን፡ ጸጋታታ ባዕላ ክተመሓድር ዕድል ዘይምሃብን
ዘይምትብባዕን መርኣያ ሓድሽ መግዛእቲ ከምዝዀነ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኩሎም መግዛእታዊ ሓድግታት ክውገዱ ከምዝግባእ ጸቒጡ ብምዝራብ፡ ሩስያ ብዘለዋ ተመክሮን ምዕባለኣዊ ገስጋስን፡ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ብፍላይ ድማ ኣብ ምስግጋር ቴክኖሎጂ ክትተሓባበር ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጹ። ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ቡሩንዲ ኤቫሪስተ ንዳዪሺሚየ ብወገኑ፡ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ሃብታም ጸጋታት ብሽርክነትን ንሓባራዊ ረብሓታት ብዘገልግልን ንምምዕባሉን ኣብ ጥቕሚ ንምውዓሉን ኣገዳሲ ከምዝዀነ ገሊጹ። ሳልሳይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን፡ ጽባሕ…
TDBN presents the written preview supplied through the publisher's feed. Complete reporting, continuing updates, context, and corrections remain with the original report.
Read the complete report ↗